መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ዝሰርሑ ወጻእተኛታት ኣመልኪቱ፡ ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሮም ግብሪ ክኸፍሉ ከምዘለዎም ርእይቶኡ ገሊጹ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ሓድሽ እማመ ሎሚ ናብ ፓርላማ ከቕርብ ምዃኑ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝሰርሑ ሽወደናውያን ግብሪ ክኸፍሉ ከምዝግደዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝሰርሑ ወጻእተኛታት ድማ ግብሪ ንኽኸፍሉ ክግደዱ ፍትሓዊ ነገር እዩ ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደርሸን፡ ብምንጽጻር ገሊጻ።
ካብ ወጻኢ ዝመጹ ሰራሕተኛታት፡ እንተበዝሐ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ውዕል ስለዝግበረሎም ግብሪ ኣይከፍሉን እዮም። ስለዝኾነ ድማ፡ ኩባንያታት ብዝሓሰረ ክፍሊት ከስርሐኦም ከምዝኽእላ መንግስታዊ ትዕዝብታት ይገልጹ። ኣብ ናይ ህንጻ ስራሓት ዝተዋፈራ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣለዋ። እዘን ኩባንያታት’ዚኣተን ነዚ ሽወደን ትኽተሎ ኣናይ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታ ኣተሓሕዛ ከም ቀንዲ ረቛሒ ስርዓተ ስርሐን ገይረን ይሰርሓ ምህላወን ይፍለጥ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ወርሒ ጥሪ/2021 ጀሚሩ እዚ ሓድሽ እማመ ኣብ ተግባር ክውዕል ድልየቱ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ሓድሽ እማመ ብኹለን ወገናት ተቐባልነት ዝረኸበ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምዕሩይ ናይ ተወዳዳርነት መንፈስ ውን ባይታ ዘጣጥሕ እዩ። እዚ እማመ ንኣስታት 23 ሽሕ ግብሪ ከይከፈሉ ኣብ ሽወደን ዝሰርሑ ወጻእተኛታት ዘጠቓለለ ኮይኑ እንተ ድኣ ጸዲቑ፡ ናብ መንግስታዊ ካዝና ዓመታዊ ኣስታት 700 ሚልዮን ክሮነር ኣታዊ ክገብር ዝኽእል ምዃኑ ኣንደርሾን ሓቢራ።
ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝግበር ምቁጽጻር ጽቡቕ እኳ እንተኾነ ከምዚ ዓይነት እማመ ግን ንብዝሒ ናይተን ናብ ሽወደን ዝኣትዋ ኩባንያታትን ብዝሒ ሰራሒ ዓቕሚ ሰብን ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ነቲ ናይ ህንጻ መደባትና ክዕንቅፍ ተኽእሎታት ክህልዎ ከምዝኽእል ክኢላ ክፍሊት ግብሪ ዝኾነት ሶፊ ፊልሃልምሶን ገሊጻ።
ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ናብ ሽወደን ንኽኣትዋ ዝገብረን ቀንዲ ምኽንያት እቲ ምዕሩይ ዘይኮነ ውድድር ክፍሊት ግብሪ እንተደኣ ኮይኑ፡ እዚ ጉዳይ ንሽወደናውያን ናይ ህንጻ ኩባንያታትን ሰራሕተኛታት ዝሃሲ ስለዝኾነ፡ ምዕሩይ ዝኾነ ሃዋሁ ክፍጠር ኣገዳስነቱ ዝለዓለ ይኸውን ክትብል ሚኒስተር ማግደሊና ኣንደርሸን፡ ዘረባኣ ትዛዝም።