መንግስቲ ሽወደን፡ ምስ ሓድሽ ክታበት ኮቪድ ዘፍሪ ፈረንሳዊ ኩባንያ፡ ሳኖፊ (Sanofi)፡ ውዕል ከምዝኸተመ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ብ ቪድፕረቭቲን (Vidprevtyn) ዝፍለጥ ፕሮቲን መሰረት ዝገበረ ሓድሽ ክታበት ኮቪድ፡ ብኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት (EMA) ተቐባልነት ንምርካብ ኣብ መስርሕ መርመራ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብምቕጻል ድማ ብሽወደናዊ በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ተቐባልነት ክረክብ ከምዝግባእ እቲ መንግስታዊ መግለጺ፡ ሓቢሩ።
ሃገረ ሽወደን፡ እኹል መጠን ክታበት እኳ እንተሃለዋ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ብዝተፈላለዩ መስርሓት ዝፈረዩን ዝበዝሑ ኣማራጺታት ክህልዋ ጽቡቕ እዩ ክብል እቲ መንግስታዊ መግለጺ ዛዚሙ።