ኣብ ሽወደን፡ ወጻኢታት ሕክምና ስኒ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ልዕሊ 3000 ክሮነር ምስ ዝኸውን፡ ካብ መንግስቲ፡ ሆግኮስትናድስዂደት (Högkostnadsskyddet) ዝበሃል ሓገዝ (ድጎማ) ክረክብ ከምዝኽእል ይፍለጥ።
ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ብፍላይ ድማ ካብ 1 ሚያዝያ ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ እዋን ቆጸራ ዝነበሮም እሞ ብሰንኪ ኮሮና ክረኣዩ ንዘይከኣሉ ሰባት፡ እቲ ናይ 12 ኣዋርሕ ዕድል ክሓልፎም ስለዝኽእል፡ መንግስቲ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገደብ ግዜ ከምዘናወሖ ከምዝወሰነ TT ገሊጹ።
እዚ ብመንግስቲ ዝተገብረ ምምሕያሽ፡ ነቶም ድጎማ ናይ ምርካብ ዕድላቶም ክጠፍእ ዝተሓስበ ሰባት ዝሕግዝ እዩ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሓቢራ።