ብምኽንያት ኣድማ ሰራሕተኛታት; መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (SAS) ዛጊት ናይ 1.3 ቢልዮን ክሮና ክሳራ ከም ዘጋጠሞ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። ዛጊት; ልዕሊ 2,550 በረራታት ክስረዙ እንከለዉ; በዚ ድማ ልዕሊ 270,000 ገያሾ ብኣሉታ ከም እተጸልዉ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ትማል ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣድማ፡ መዓልታዊ ናይ 100-130 ሚልዮን ክሮና ሽወደን ክሳራ የስዕብ ምህላዉ እውን ተመልኪቱ።
“ነዚ ኣድማ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክንውድኦ ክንክእል ኣሎና” ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣንኮ ቫንደር ቨርፍ ገሊጹ’ሎ።