ብዙሓት መንገዲ ኣየር ብርክት ዝበለ ገንዘብ ይኽሰራ ኣለዋ ተባሂሉ። ብዙሓት ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከይልከፉ ብምባል ምብራር ምቊራጾም ድማ’ዩ ነዚ ክሳራ ኣምጺኡ ዝርከብ። SAS ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣሽሓት በረራታት ምቊራጹን ቀጻልነቱ ንምውሓስ ገንዘብ ኣብ ምዕቋር ምእታዉን ደሞዝ ብ 20% ንምንካይ ኣብ ምምካር ምህላዉን ድማ ተገሊጹ።
ማሕበር ሰራሕተኛታት ምስዚ ኲባንያ ክተሓባበር ድሉው ምዃኑ እኳ እንተገለጸ ኣብ ምንካይ ደሞዝ ክተሓባበር ድዩ ወይስ ኣይኮነን ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን። ዛጊት ፈጸምቲ ስራሕ እዚ ኲባንያ ደሞዞም ክንኪ ተጌሩ’ሎ።