ተሌቪዥን ሽወደን፡ ነቶም ብኣብ ላትቪያ ዝመደበሩ Investio ዝተባህለ ናይ ሓሶት ኩባንያታት ገንዘቦም ዝተበልዑ ሰባት ኣቕሪቡ።
ሓደ ካብዞም መንእሰያት 60 ሽሕ ክሮነር ዘውፈረ መሓመድ ሰቲ ምዃኑን ምሉእ ገንዘቡ ምኽሳሩን እታ ተሌቪዥን ኣፍሊጣ። ብድሕሪ’ዚ ድማ እዩ መሓመድ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ኣብ ዝወዓዋዕ ዝኾነ ፕሮጀክት ወፍሪ ከይገብር ዝወሰነ ብምባል ጠቒሳ።
ቅድሚ ክልተ መዓልታት እታ ተሌቪዥን ኣብ ዝፈነወቶ ጸብጻብ ባንክታት ሽወደንን SEB ን ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዘለዉ ናይ ሓሶት ኣውፈርቲ ንምቅላዕ ፋይናንሳዊ ናይ መርመራ መርበባት ዕላዊ ምግባረን ተፈሊጡ።
እዚ መርመራ ከም ዘመልክቶ ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ኣውፈርትን ናእሽቱ ዓቖርትን ኩሉ ወፍሮም ከሲሮም ኣለዉ። እዚ ክሳብ 300 ሚልዮን ዝበጽሕ ክሳራ ኣብ ማልታ ወፍሮም ዝገበሩ ናይ ሓሶት ኩባንያታት ላቲቭያ ዝገሓጦኦ እዩ ኔሩ ተባሂሉ’ሎ።
Investio ዝተባህለ መርበብ ሓደ ካብቶም ኣብ ላቲቭያ ዝርከቡ ዓሰርተ እናዓበዩ ዝመጹ ናይ ልቓሕ ኣገባባት እዩ። እዚ መርበብ ንውልቀሰባት ናይ 22% ዕድል ወፍሪ ከም ዝህብ እዩ ዝሕብር። ፈረንሳዊ መንእሰይ መሓመድ ካብ 2019 ኣብ ዝተፈላለዩ ፋይናንሳዊ ብሎጋት ብምንባብ ጥራይ ኣብዚ መርበብ ወፍሪ ከካይድ ከም ዝጀመረ ይገልጽ። ካብ ሃገራት ጣልያን፡ ሽወደን፡ ዴንማርክን ስፔይንን ክሳብ 300 ሚልዮን ክሮነር ዝግመት ወፍሪ ምግባሮምን እቲ ዝቐረበሎም ልዑል መጠን ወለድ ቀንዲ ደራኺ ስሕበት እቲ ወፍሪ ምንባሩን ድማ ተፈሊጡ።
ኩባንያ Investioን መርበብ ሓበሬትኡን ብሃንደበት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ምስ ተዓጽዉ እቶም ከም በዓል መሓመድ ገንዘቦም ምርካብ ከም ዘይከኣሉን ይሕበር።
ካልእ ስሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ስጳኛዊ ብዛዕባ Investio ድሕሪ ብንባብ ምልላዩ ናይ 20 ሽሕ ክሮና ወፍሪ ምስ ብጸይቱ ምግባሩ፡ ጸኒሑ ጠርጠራ ስለዝሓደሮ ገንዘቡ ክስሕብ ምፍታኑ እንተኾነ ግና ገንዘቡ ደጊሙ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ይገልጽ።