ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት: ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ: መንእሰያት ኦሮሞ ናይ ሓርነት ባህጎም ዝተጋህደ ጌሮም እዮም ሓሲቦሞ። ኦሮሞ ንዘመናት ኣብ ገዛእ ዓዶም ጋላ እናተባህሉ ከም ካልኣይ ዜጋ ክቚጸሩ ምጽንሖም ዝተፈላለዩ ኣክቲቪስታት ኦሮሞ ይገልጹ። ህዝቢን መሬትን ኦሮሞ በቲ ንጉስ ምኒሊክ ዘካየዶ ወራር ኣቢሎም እዮም ብሓይሊ ኣካል ኢትዮጵያ ክኾኑ ተጌሮም ዝብል ትረኻ ኦሮሞ ግና ብፍላይ በቶም ኣምሓራ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ዩኒቨርሲቱ ጎንደር እትህር ማንይችል መሰረት “ብዛዕባ ጭካነ ንጉስ ምኒሊክ ዝውረ ብምሉኡ ክበሃል ይከኣል ን ፖለቲካዊ መኽሰብ ዝዝረብን ምግናንን እዩ” ትብል።
ኣብይ ኣሕመድ ሓደ ካብ ብሄሮም ምስ ምዃኑ ቃንዛኦም ዝስምዖ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ ኔሮም። አረ ገለ መንእሰያት ኦሮሞስ ከም መሲሕ ጌሮም እዮም ዝቘጽርዎ ኔሮም ይብል ኣቦ መንበር ሰልፊ ኮንግረስ ኦሮሞ ዝኾነ ዶክተር መረራ ጉዲና።
ኣብይ ኣሕመድ ዝተኣታተዎ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘስዓቦ ዕግርግር እናቐጸለ ዝተኸስተ ምቕንጻል ህቡብ ደራፋይ ኣፋን ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ን ቊጥዐን ዘይዕጋበትን መንእሰያት ኦሮሞ ከም ዘዕረጎ ብዙሓት ይሰማምዑ። ምኽንያቱ ሃጫሉ በዞም መንእሰያት ከም ጅግና እዩ ዝረአ ኔሩ። እዚ ከይኣክል እቶም ከም ወከልቲ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ዝረኣዩ ጆሃር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ፖሊቲከኛታት ኣብ ማእሰርቲ ምስ ወረዱ ኣብ መንእሰያት ኦሮሞ ዝነበረ ተስፋ ሓርነት እናማህመነ ክመጽእ ተራእዩ። በዚ ድማ ኣብይ ኣሕመድ ክሒዱና እዩ ዝብል ስምዒት ብሰፊሑ ሰፊኑ’ሎ።
“ፖለቲካዊ መድረኽ እናጸበበ እዩ መጺኡ። ካብተን ኣብ መላእ ኦሮሚያ ዝነበራና 206 ኣብያተ ጽሕፈት እተን ሰለስተ ጥራይ እየን ዘለዋ” ይብል መረራ ጒዲና። ሰልፊ ኣብይ ዝኾነ ብልጽግና ኣብ ኦሮሚያ ናይ ብሓቂ መወዳድርቲ የብሉን፥ ምኽንያቱ እቶም መወዳድርቲ ተኣሲሮም እዮም ዘለዉ።
ኣብይ ካብ ንረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ንውልቃዊ ስልጣኑ ዘለዎ ባህጊ እዩ ዝዓጦ፥ በዚ ድማ ምስ ኣምሓራ ዘለዎ ሽርክነት ኣደልዲልዎ ኣሎ። ንኣብነት መጽሓፍ መደመር ኣብ ዝወጸትሉ ሰሙን ምሕዳስ ሓወልቲ ምኒሊክን ሃይለስላሴን ተሳሊጡ፥ እዚ ድማ ብ ተቓለስቲ ኦሮሞ ዓብዪ ቊጥዐ ኣለዓዒሉ እዩ።
መንእሰያት ኦሮሞ ኣብ ኣብይ ዝነበሮም እምነት ባይታ ዘቢጡ እዩ። እቲ ዝተመነይዎ ለውጢ ኣይመጸን ይብል ዶክተር መረራ።