ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከቢድ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ መጋባእያ ዝጸንሐ ክሲ ብልሽውና፡ ጃኮብ ዙማ፡ ክቕጽል ከም እተገብረ ተገሊጹ።
ዙማ፡ ንክብሪ ቤትፍርዲ ብምድፋሩ ተኣሲሩ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ዙማ፡ ኣብ 1999 ኣብ ዝተኻየደ ዓብዪ ውዕል ኣጽዋር ብዝተሓሓዝ ብልሽውና ከም ዝፈጸመ እዩ ዝኽሰስ። ሽዑ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ፡ ዙማ፡ ካብ ፈረንሳዊት ኲባንያ፡ ቴለስ፡ ጉቦ ተቐቢልካ ኢኻ ተባሂሉ ከም ዝጥርጠር ይፍለጥ። እቲ ናይ ክሲ መስርሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት እዩ ጀሚሩ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ 79 ዝዕድሜኡ ጃኮብ ዙማ፡ ንክብሪ ቤት ፍርዲ ተዳፊርካ ተባሂሉ ኣብ ቤት ማሕቡስ ድሕሪ ምድጓኑ፡ ኣብ ዓዱ፡ ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል ሓዊስካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት፡ ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕቢ ክካየድ ጸኒሑ’ሎ። በዚ ድማ ዛጊት ልዕሊ 200 ሰባት ምሟቶም ጸብጻባት የመልክቱ።
ሎሚ ሰኑይ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ክሲ፡ ተወሳኺ ናዕቢ ከየኸትል ዓብዪ ስግኣት ከም ዘሎ ዘመልክተ እቲ ሓበሬታ፡ ዙማን ደገፍቱን እዚ ክሲ “ፖለቲካዊ መበገሲ” ከም ዘለዎ ብምጥቃስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነጸግዎ ወሲኹ ሓቢሩ።