ምምሕዳር ትራንስፖርት ሽወደን ኣብ ዓመተ 2019፡ 91% ኲሎም ናይ ባቡር መስመራት ኣብ ግዚኦም ይበጽሑ ኔሮም፥ እዚ ድማ ካብ ዓመተ 2018 ምምሕያሽ ኣርእዩ ኣሎ ኢሉ። “ኣብ ዓመተ 2019 ምስ 2019 ብምውድዳር ብ 3 ሚእታዊት ዕቤት ኣብ ግዜ ብርክት ዝበለ ምምሕያሽ ጌርና ኣሎና” ክብል ዳይረክተር ስርሒታት ክፍሊ መጓዓዝያ ሮበርቶ ማዩራና ንኤኮት ሬድዮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬት ገሊጹ።
ዓመተ 2018 ባቡራት ካብ ግዜአን 12% ብምድንጓይ ይዓያ ምንባረን ካብ ክፍሊ መጓዓዝያ ዝተረኽቡ ኣሃዛት የመልክቱ። ኣብ 2020 ባቡራት 95 % ኣብ ግዚአን ክንቀሳቐሳ እየን ክብል ክፍሊ መጓዓዝያ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ግዜአን ዝዓያ ባቡራት ንምህናጽ ዕቱብ ስራሕ ይሳለጥ ምህላዉ እቲ ክፍሊ ገሊጹ’ሎ።