ብውልቁን ምስ ጋንቱኡን ጽቡቅ ናይ ጸወታ ዓመት ዘሕለፈ ሜሲ ንመወዳድርቱ በሊጹ ብሉጽ ተጻዋታይ ፊፋ ተባሂሉ ተሸሊሙ።ሜሲ ኣብ`ዚ ዓመት ምስ ጋንቱ ተዓዋቲ ላሊጋ ክከውን ከሎ። ብውልቁ ጽቡቅ ብቅዓት ከም ዝርእየ ይዝከር። ብዘይካዚ አሰልጧኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ዝበለጸ አሰልጣኒ ዝብል ክብሪ ረኪቡ ።
ካል`እ ሐላው ልዳት ሊቨርፑል አልሲኖ ዝበለጸ ሐላዊ ልዳት ፊፋ ዝብል ሽልማት ካብ ጋል ሃገሩ ማርታ ተረኪቡ። ሓላው ልዳት ክለብ ሊቨርፑልን ሃገራዊት ጋንታ ብራዚልን ኣሊሰን ቤከር ብሉጽ ሓላው ልዳት ዓመተ 2019 ብምዃን ተዓዋቲ ኮይኑ። ቤከር ክለቡን ሃገሩን ዋንጫ ንክዓትራ ዘርኣዮ ብቕዓት ልዑል ምንባሩ ክዕወት ምዃኑ ኣቀዲሙ ተገሚቱ ዝነበረ እዩ። ንሱ ምስ ሊቨርፑል ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግን ዩኤፋ ሱፐር ካፕን፡ ምስ ብራዚል ድማ ዋንጫ ኮፓ ኣሜሪካ ምዕታሩ ይዝከር።
ኣሊሰን ቤከር ብሉጽ ሓላው ልዳት ፕሪመር ሊግ፡ ኮፓ ኣሜሪካን ሻምፕዮንስ ሊግ ብምዃን ሰለስተ ዓበይቲ ሽልማት ብምዕታር ብሉጽ ናይ ጸወታ ዓመት ኣሕሊፉ’ዩ። ቤከር ንሓላው ልዳት ባርሴሎና ቴር ስተገንን፡ ንወዲ ሃገሩ ሓላው ልዳት ማን ሲቲ ኤደርሰንን በሊጹ’ዩ ተዓዋቲ ፊፋ 2019 ኮይኑ።
ኣሰልጣኒ ክለብ ሊቨርፑል ጁርገን ክሉፕ ብፊፋ ዝወሃብ ሽልማት ብሉጽ ኣሰልጣኒ ተዓዊቱ። ጀርገን ክሉፕ ንኣሰልጣኒ ማን ሲቲ ፐፐ ጓርድዮላን፡ ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ማውርሲዮ ፖቸቲኖ በሊጹ ነዚ ሽልማት ተዓዊቱሉ ዘሎ።