Källa BBC TIGRINJA
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ‘ሮ ቨርሰስ ዋድ ሮ’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ መሰላት ምንፃል ጥንሲ ዝምልከት ሕጊ ክቕይር ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡
ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከባ ብሚልዮናት ዝቝፀራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ መሰል ክስእና ከምዝኽእላ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ሰሊኹ ዝወፀ ሰነድ የመልክት።
ብ1973 ዝተገብረ ውሳነ ስዒቡ ኣብ ኣሜሪካ ምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ እንትኾን ሕዚ ግና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ነቲ ሕጊ ከፍርስ ተዳልዩ ከምዝርከብ እቲ ኣብ ፖሊቲኮ ዝተሓትመ ሰነድ ይሕብር።
ደያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ መወዳእታ ሰነ ወይ መጀመርታ ሓምለ ብይን ከምዝህቡ ትፅቢት ይግበር ኣሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ብ1973 ዝተወሰነ ብይን እንተፍሪስዎ ክፍለ-ግዝኣታት /ስቴትስ/ እንተ ደልየን ምንፃል ጥንሲ ክእግዳ ክፍቀደለን እዩ።
ከምዚ እንተኾይኑ ድማ ምንፃል ጥንሲ ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ግዝኣታት ኣሜሪካ ከምዝእገድ ትፅቢት ይግበር።