ንቬትናም ዝነቐለት መርከብ ኲናት ብሪጣንያ: ብመጻብብ ታይዋን ኣቢላ ምሕላፋ: ሮያል ኔቪ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ። መራኽብ ኲናት ብሪጣንያ በዚ ንቻይናን ታይዋንን ዝፈላሊ መጻብብ ክሓልፋ እዚ ፋልማየን እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብ ምብራቕ ቻይና ምስ መሻርኽትና ጽዑቕ ርክባት ድሕሪ ምክያድ ብመጻብብ ታይዋን ኣቢልና ንቬትናም ንኸይድ ኣሎና” ክብል ኣዛዚ HMS ዝኾነ ሪችሞንድ ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ኣፍሊጡ’ሎ።
መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ኣብዚ ከባቢ ዝገብርኦ ምንቅስቓስ ካብ ቤይጂንግ ሓያል ነቐፌታ ክወርዶኳ እንተጸንሐ: መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ንተሪር ፖሊስ ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን: ዘለወን ተቓውሞ ንምግላጽ ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ምንቅስቓስ የብዝሓ ምህላወን ጸብጻባት የመልክቱ።
ሃገራት ሕድሕዳዊ ምትእምማን ንምድንፋዕን ሰላምን ጸጥታን ንምዕቃብን ብዝለዓለ ክሰርሓ ተስፋ ንገብር” ክብል ኣፈኛ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ቻይና ሁዋ ቹንዪን ገሊጹ’ሎ።