ሎሚ ሓሙስ ኣብ መበል 97 ዓመቱ ዝዓረፈ ኣቦ ሃገረ ዛምቢያ ኬነት ካውንዳ ምኽንያት ብምግባር ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓዘኖም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።
“ካውንዳ መርኣያ ብሉጽ መሪሕነት እዩ ። ንረብሓ ሃገሩ፥ ጐረባብቱን ደቂሰብን ክብል ህይወቱ ምሉእ ዝዓየየ ሰብ እዩ” ብምባል ዝገለጾ ፕረሲደንት ቦትስዋና ሞግዌጺ ማሲሲ እዩ። “ኣብ ሕማቕ እዋን ብሉጽ ዓርኪ ህዝቢ ቦትስዋና፥ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነትና ኸኣ መሓዛና ዝነበረ ካውንዳ ካባና ብምፍላዩ ዓሚቚ ሓዘን ይስማዕና” ድሕሪ ምባል ቦትስዋና ሾብዓተ መዓልታት ሓዘን ክትእውጅ ምዃና ሓቢሩ።
ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ራማፎሳ ብወገኑ ብሞት “ፍቱውን ክብሪ ዝግብኦን ኣቦ ናጽነትን ሓድነትን ኣፍሪቃ” ሓዘን ከም እተሰምዖ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ካውንዳ ዓርሞሽሽ ሓወልቲ ናጽነት ኣፍሪቃ እዩ ኔሩ ኢሉ’ሎ።
“ካውንዳ ኣብ ታሪኽ ምንቅስቓስና፥ ሃገርናን ታሪኽናን ፍሉይ ቦታ እዩ ዘለዎ። ሰልፊና ን 30 ዓመት ማእከሉ ኣብ ዛምቢያ እዩ ኔሩ” ክብል እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።
ፕረሲደንት ታንዛንያ ሳምያ ሓሰን ድማ “ሎሚ ገዲም ተቓላሳይ ሓርነትን ሓቀኛ ሓድነታዊ ኣፍሪቃዊን ስኢንና” ክትብል ሓዘና ገሊጻ’ላ።
ብዘይካዚ መራሒ ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኣባሳንጆን ካላኦትን እውን ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣብ ምውሓዝ ይርከቡ።