ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ነቲ ኦሚክሮን ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት ጅር ኮሮና ቫይረስ ኣመልኪቱ፡ “ዘተሓሳስብ” እዩ ዋላ’ኳ እንተበለ፡ ቅጽበታዊ ግብረ – መልሲታት ንኸይውሰዱ ምዒዱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ነታ ናይ መጀመርታ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ጅር ሓበሬታ ዘመሓላለፈት ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ናይ መገሻ እገዳታት ተበይኑ ከምዘሎ፡ እቲ ውድብ፡ ገሊጹ።
ኣውስትራልያ፡ ካብተን ኦሚክሮና ዝተባህለ ዓይነት ጅር ቫይረስ ዝተረኽበለን ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ ዝግበር ጉዕዞ፡ እገዳ ካብ ዘንበራ እታ ዝደሓረት ሃገር ከምዝኾነት ተፈሊጡ’ሎ። ቅድም ክብል፡ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ሩስያን ዓባይ ብሪጣንያን ተመሳሳሊ እገዳ ከምዘንበራ ይዝከር።
ኤውሮጳዊ ማእከል ናይ ሕማም ቁጽጽርን መከላኸልን (The European Centre for Disease Control and Prevention – ECDC) ከምዝሓበሮ፡ እዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓድሽ ጅር ቫይረስ፡ ብናህሪ ኣብ ሙሉእ ኣውሮጳ ናይ ምስፍሕፋሕ ሓደግኡ፡ ኣዝዩ ልዑል ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ። ድሮ’ኳ በዚ ቫይረስ ናይ ዝተታሕዙ ሰባት ጉዳይ፡ ኣብ ቤልጁም ዝተራእየ ኾይኑ፡ መብዛሕትኦም ናይቶም ልዕሊ ኣስታት ሚእቲ ዝኾኑ ጉዳያት ግና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ጎረባብቲ ሃገራትን ከም ዝተራእየ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣሜሪካዊ ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት (CDC) ከም ዝሕብሮ እንተኾይኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ዛጊት ህላውነት ናይ ኦሚክሮን ቫይረስ፡ ከምዘይተራአ ገሊጹ።
እንታይነትን፡ ግዝፍን ናይዚ ብሰንኪ ኦሚክሮን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቫይረስ ክፍጠር ዝኽእል ሓደጋ፡ ብንጹር ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።