ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ናፍታሊ በነት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት፡ ኣርባዕተ ግዜ ምርጫ ብምግባር ኣብ ፖለቲካዊ ደውታ ንዝጸንሐት ሃገሩ ናብ ሓድነት ከምጽእ ክሰርሕ እየ ክብል ቃል ምእታዉ ተገሊጹ።
ንሱ “መንግስተይ ንስለ ኲሎም ዜጋታት እስራኤል ክሰርሕ እየ ድሕሪ ምባል ብፍላይ ኣብ ጽላታት ትምህርቲን ጥዕናን ጽገናታት ከተኣታቱን ኣብ ቢሮክራሲ ዝጸንሐ ምጒታትን ክኣሊ ምዃኑ ተመባጺዑ’ሎ። ካብቲ የማናይ ክንፊ ሃገራዊ ሰልፊ የሚና ዝኾነ በነት ነዚ ትማል ሰንበት ብ 60 ሚእታዊት ዝተዓወተ ምርጫ ምኽንያት ጌሩ ኣባላት ባይቶ ዘለዉዎ ልፍንታዊ መንግስቲ ከቕውም እዩ። በዚ ድማ ነቲ ዝነውሐ እዋን ንእስራኤል ዝመርሐ በንያሚን ናታንያሁ ተኪኡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኮይኑ ኣሎ። ብመሰረት ስልጣን ንምክፋል ዝተኣትወ ውዕል ድማ ክሳብ መስከረም 2023 ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክጸንሕ እዩ። ድሕሪዚ ስልጣኑ ን ሓላፊ ማእከላይ ሰልፊ የሽ የቲድ ንዝቕጽላ ክልተ ዓመት ከረክብ እዩ። ክሳብ ትማሊ ን 12 ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ነታ ሃገር ንዝነውሐ እዋን ዝመርሓ ናታንያሁ ከም ሓላፊ ሰልፊ ሊኩድ ናብ ተቓዋሚ መንግስቲ ክሰጋገር ምዃኑ ተፈሊጡ። ትማሊ ሰንበር ኣብ ባይቶ እስራኤል–ክነሰት ኣብ ዝተገብረ ርሱን ክትዕ ናታንያሁ ደሓን ተመሊስና ክንመጽእ ኢና ኢሉ’ሎ። ሓገግቲ እታ ሃገር ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስረት ድሕሪ ምውሳኖም ድማ ካብ መንበሩ ተንሲኡ ን በነት ናይ እንኳዕ ሓጎሰካ ሰላምታ ከም ዝሃቦ ቢቢሲ ገሊጻ። እንተኾነ ከምቲ ልማድ ሕሱም እዩ ዝብልዎ ተመሊሱ ናብ መንበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኮፍ ምባሉ እውን ተመልኪቱ። ወዲ 49 ዓመት በነት “እዚ መዓልቲ ሓዘን ኣይኮነን፥ ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ለውጢ መንግስቲ ክህሉ ልሙድ እዩ። ንሱ ኸኣዩ ተጌሩ ዘሎ ” ኢሉ። ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ን ቀዳማይ ሚኒስተር በነት እንቋዕ ሓጎሰካ ድሕሪ ምባል ክልተኣዊ ዝምድና እዘን ሃገራት ንምድልዳል፡ክሰርሕ ምዃኑ እውን ገሊጹ’ሎ።