ሓድሽ ዝቖመ መንግስቲ የማናይ ክንፊ፡ ነቲ ትካላት ማያዊ ጸዓት ኣብ ኣከባቢ ዘለዎም ጽልዋ ንምግምጋም ክግበር ዝጸንሐ መጽናዕቲ ንግዜኡ ደው ኣቢልዎ። ኣብ ሽወደን 2000 ዝኾና ኤለትሪክ ዘመንጩዋ ናይ “ሃይድሮኤለትሪክ” ትካላት ኣለዋ። ዘድሊ መጠን ጸዓት ንምፍራይ ዝሕግዝ እንተኾይኑ፡ ዝሓለፈ መንግስቲ ዘንበሮም ሕጊታት ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ እውን ተመልኪቱ’ሎ።
እዚ እናኾነ፡ ኣብ ማሕበር ኣንግለር ሽወደን ዝዓዪ ስተን ፍሮም፡ እዚ ወፍሪ ማያዊ ጸዓት ንኸምኒ ሳልሞንን ተመን ባሕሪን ዝበሉ ማያዊ ፍጥረታት ናይ ሳገማ መንገዶም ዝዓጹ ክኸውን ኣይግባእን፡ ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ።