ኣብዚ ሰሙን ሓድሽ ጥሙር መንግስቲ የማናይ ቀጽሪ ዘቖመ መራሒ ሰልፊ ሞደራትናን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ኣብ ጒዳይ ፖሊሲ ጸዓት፡ ሕቶ ስደተኛታትን ጒዳይ ገበንን ንሽወደን ኣብ ሓድሽ መድረኽ ከእትዋ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ይዂንምበር ነዚ ስሉስ-ሰልፋዊ መንግስቲ ናብ ኣጀንዳ ጽገና ዝመርሑ ብርክት ዝበሉ ህጹጻት ብድሆታት ከም ዘለዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ “ሶደርቶን” ረዳት ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ኒኮላስ ኣይሎት ይገልጽ።
“ሓደ ካብ ህጹጻት ብድሆታት እዚ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ባይቶ ዘለዎም ብዙሃነት ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ እዩ። ብፍላይ ድማ ካብዞም ኣብ ባይቶ ዝርከቡ ኣባላት የማናይ ቀጽሪ ዓልዮም ወይ ተሰጒጎም እንተወጺኦም እዚ ኣዝዩ ክጸብብን ነቲ ሰልፊ ኣብ ቀጻሊ ስግኣት ክወድቕን ከም ዝኽእል” ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።