ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምዕራብ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ መምህሩ ንዝቐተለ ገበነኛ ፍርዱ ካብ 11 ዓመት ናብ 9 ዓመት ክጐድል ጌሩ ተባሂሉ። ኲነታት ጥዕና ኣእምሮ ገበነኛ ኣብ ግምት ብምእታው ናብዚ ምጒዳል ፍርዲ ከም እተበጽሐ እውን እቲ ቤትፍርዲ ገሊጹ። ጓል 69 ዓመት መምህር እብ ኪየል ኣብ ዝርከብ ቤታ እያ ሂወታ ሓሊፋ።
ፈጻሚ እቲ ቕትለት ድማ ብፍቓዱ ኢዱ ብምሃብ ቅትለት ምፍጻሙ ተኣሚኑ እዩ። እዚ ኣብ ቫርምላንድ ዝርከብ ቤትፍርዲ ብ 31 ጥቅምቲ ካብ ቲ ንቡር 16 ዓመት ፍርዲ ቅትለት ናብ 11 ክወርድ ዝገበረሉ ምኽንያታት እዚኦም እዮም ኢሉ’ሎ።