ኣኽባር ሕጊ ሽወደን ንወዲ 45 ዓመት ሰብኣይ “ሚስጥራዊ ስነዳት” ኣብ ምስላይ ተዋፊርካ ብዝብል ክሲ ኣቕሪብሉ’ሎ። ብመሰረት ኣኽባር ሕጊ ኣብ ከተማ ሄልሲንኪ እዚ ጥርጡር ኣገደስቲ ንዝተባህሉ 37 ወተሃደራዊ ነቚጣታት ክስሊ ተረኺቡ ክብል ወንጂልዎ’ሎ። እንተኾነ ግና እዚ ሰብኣይ ብዕሰባ ዘይኰነ ኣብ ወተሃደራዊ መሳለጥያ ውልቃዊ ተገዳስነት ስለዘለዎ ዝገበሮ ክኸውን ይኽእል እዩ ንዝብል ተኽእሎ እውን ብግቡእ ኣቐሚጥዎ’ሎ። ጥርጡር ነዚ ሓበሬታ ንነዊሕ ግዜ ክእክብ ምጽንሑን እኳ እንተኣመነ ንዂሉ ዝቐረበሉ ክሲታት ኣሉታ ምሃቡ ተገሊጹ’ሎ።
እዚ ክሲታት ሓደ ዮተበሪ ዝቕመጥ ሰብኣይ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሽወደን ዝርከባ ወተሃደራዊ ነቚጣታትን ወተሃደራዊ መሳለጥያን ክትስሊ ተረኺብካ ተባሂሉቭካብ ዝኽሰስ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ ዘጋጥም ዘሎ። እዚ ሰብኣይ በቲ ክሲ ንዓመት ክእሰር ከም እተፈርደ ድማ ተገሊጹ። በዓልመዚ ኣኽባር ሕጊ ብተመሳሳሊ ገበን እተጠርጠሩ ደርዘን ዝኾኑ ሰባት ጒዳዮም ይፍተሽ ምህላዉን እዞም ሰባት ኣገደስቲ ወተህደራዊ መሳለጥያ ክስልዩ ምጽንሖም ጭብጢ ከም እተረኽበን ድማ ኣመልኪቱ።