ዳሕረዋይ ዓርኪ ናይ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብፋስ ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ። እቲ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ፡ ቀዳማይ ዓርኪ ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ዝነበረ ምዃኑን እቲ ፍጻሜ ብቅንኢ ዝተደረኸ ክኸውን ከምዝኽእል ፖሊስ ቮርቦሪ ጥርጣሬታቱ ገሊጹ።
ኣብ ከባቢ ሰዓት 11፡51 ድ.ቐ. ነቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ዝሕብሩ ጥርዓናት ከምዝበጸሑናን እቲ ፍጻሜ ቕንኢ ዘስዓቦ ክኸውን ከምዝኽእል ኣዛዚ ፖሊስ ምዕራባዊ ኣከባቢ፡ ጎራን ካርልቦም፡ ን TT ሓቢሩ።
ተሳተፍቲ ናይቲ ፍጻሜ ኣብ ክሊ ዕድመ 50 ዓመት ዝርከቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ነቲ ጉዳይ ዝፈጸሞ ሰብኣይ ብኽሲ ፈተነ ቅትለት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ ከምዘሎን ምጽራይ ጀሚሮምሉ ከምዘለዉን ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ ግዳይ ዝኾነ ሰብኣይ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ከምዘሎን ክሳብ ሕጂ ግን ንኹነታቱ ዝምልከት ሓበሬታ ዝተዋህበ የለን።
ኣብ መጀምርታ ኩነታት እቲ ግዳይ ዝኾነ ሰብ ደሓን ምዃኑ ብጉጅለ ቀዳማይ ረዲኤት ተሓቢሩ’ኳ እንተነበረ ቀጺሉ ግን ኩነታቱ ክልወጥ ስለዝጀመረ ካብ ሆስፒታል ቮርቦሪ ናብ ኣብ ዮቶቦሪ እትርከብ ሆስፒታል ሶልጌኒስካ ከምተሰጋገረ ጎራን ሓቢሩ።