ሓደገኛ ጎሓፍ ናይ ባተሪታት፡ ካብ ሽወደን ናብ ፖላንድን ቡልጋርያን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ከምተላእከ ብሬድዮ ሽወደን ዝተኻየዱ መርመራታት ኣቃሊዖም።
ኣብ ትሕቲ መሸፈኒ ናይ ባትሪ፡ ንደቂ ሰባት፡ እንስሳታትን ኣከባብን ሓደገኛ ዝኾኑ ማንጋኔዝን ዚንክን ዝበሃሉ ባእታታት ዝሓዘ ጸሊም ካርታመ ይርከብ። ናይ ባትሪ ጓሕፍ፡ ከም ሓደገኛ ጓሓፍ፡ ተባሂሎም ዝተመደቡ እዮም። ናብ ካልእ ሃገር ክትሰዶም ኣብ ትምድበሉ እዋን ድማ፡ ፍቓድ ክህልወካ ይግባእ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፡ ካብ ሽወደን ናብ ፖላንድን ቡልጋርያን ብኣሽሓት ቶናት ዝግመት ሓደገኛ ጓሓፍ፡ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ከምዝተላእኩ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣባላት ሬድዮ P4፡ ነቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኸይድ ዝነበረ ጓሓፍ፡ ክሳብ ኣብ ደቡብ ፖላንድ ዝርከብ መምከኺ ዚንክ (ዚንጎ) ተኸቲለሞ። እቲ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ክሳብ 9 ሽሕ ቶን ከምዞም ዓይነት ጓሓፍ ከምተረከበን 480 ቶን ካብ ሽወደን ዝተላእከ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ኩባንያ uRecycle፡ ነቲ ጓሓፍ፡ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ፡ ካብ ሽውደን ናብ ፖላንድ ዘጓዓዓዘ እዩ። እዚ ኩባንያ፡ ኣብ ዓመተ 2000 ውም ንኸምዚ ዝዓይነቶም ጓሓፍ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ መሬት ብምቕባሩ፡ ተኸሲሱ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ሓደገኛ ጓሓፍ ናይ ባተሪ፡ ኣብ ምህናጽ ኣባይትን ጽርግያታትን ከምዝጥቀምሉ ሓላፊ ዕድጊ ትካል መምከኺ ሓቢሩ።