መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ዕለት 23 ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ካብ ገዛ ምስራሕ ዝርከቦም ሓደስቲ ቀይድታት ኮቪድ ከተኣታቱ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብሰንኪ ሓድሽ ጅር ቫይረስ፡ ኦሚክሮን፡ ዘስዓቦ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ፡ ብዝሒ ናይቶም ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ይውስኽ ብምህላዉ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኣገልግሎት ጥዕና ጸቕጢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳለና ኣንደሾን ድሕሪ ምግላጻ፡ ኩሎም ሽወደናውያን፡ ኣንጻር እዚ ናይ ለበዳ ክውንነት፡ ናይ ሓባር ሓላፍነት ንክወስዱን ምስቲ ኩነታት ክለማመድዎን ጸዊዓ።
ድሕሪ በዓላት ክሪስትማስን ሓድሽ ዓመትን፡ ሰባት፡ ካብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ክጅምሩን በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስቶም ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ዘይክእሉ ሰባት፡ ምጽቕቓጥ ከጉድሉን ክኽእሉ እዮም።
ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ጽምብላት፡ ሰባት፡ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ብምሕላው ኮፍ ክብሉ ከም ዝግባእ፡ መንግስቲ፡ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ለይታዊ ትልሂታትን ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበሩ ጽምብላት ድማ ከቑርጹ ምዃኖም፡ መንግስቲ፡ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ካብ 20 ክሳብ 500 ሰባት ዝርከብዎም ህዝባውያን ምትእኽኻባት፡ ኮፍ ኢልካ ዝካየዱ ጥራይ ኮይኖም፡ ኣብ መንጎ ሰድያታት፡ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ዝሓለወ ክኸውን እዩ።
ልዕሊ 500 ሰባት ዝርከብሉ ምትእኽኻባት፡ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምርኣይ ግዴታ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።
እዞም ቀይድታት፡ ኣብ ጻዕቂ ህዝቢ (ምጽቕቓጥ) ዝርከብሎም ናይ ንግዲ ቦታታት ውን ክሰርሑ እዮም። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪ በዓላት ክሪስትማስን ሓድሽ ዓመትን ዝካየዱ ናይ ሸመተ ንጠፈታት፡ ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ክኾኑ ስለ ዘይግበኦም እዩ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ባህላዊ ንጥፈታት ውን ቀይድታት ተኣታትዩ ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበሩ ውድድራትን ናይ መዓስከር (Camp) ንጥፈታት ውን ክሳብ ዕለት 16 ጥሪ ዘሎ ግዜ ደው ኢሎም ክጸንሑ፡ መንግስቲ፡ ሓቢሩ።