Skip to content
- ሳሚ፥ — (ወዲ ሰለስተ ዓመት፡ ናይ ኣቦኡን ኣዲኡን ናይ መርዓ ስእሊ ይርኢ)
ወላዲ፥ — (ንዋዛ) ሳሚ ወደይ፡ ምስ ዓበኻ ክትምርዖ ዲኻ?
ሳሚ፥ — እወ
ወላዲ፥ — ንመን ኢኻ እትምርዖ?
ሳሚ፥– ንኣዴኻ
ወላዲ፥ — ዋእ! ….. ስለምንታይ?
ሳሚ፥– እንታይ ደኣ ንስኻ ንኣደይ ትምርዓዋ!!
- (ተመሃሮ 1ይ ክፍሊ ሀ)
መምህር፥ — እሺ፡ እምበኣር ሕጂ ምድማር ክንምሃር ኢና…….፡ ዳኒኤል፡ እዛ ሕቶ ንኣኻ ኢያ።
ዳኒኤል፥ — (ሓፍ ይብል)
መመህር፥ — ኣቦኻ ክልተ ኣራንቺ እንተ ሂቡካ፡ ኣደኻ ድማ 5 ኣራንሺ እንተ ወሰኸትካ፡ ክንደይ ይኾነልካ?
ዳኒኤል፥ — (ኣይምልሽን)
መምህር፥ — ኢሂ ዳኒኤል? ክደግመልካዶ ነታ ሕቶ? (ይደግመሉ)
ዳኒኤል፥ — (ኣይምልሽን)
ተመሃሮ ብሓደ፥ — መምህር! …. ዳኒኤል ምስ ሓትንኡ ኢዩ ዚቕመጥ፡ ኣቦን ኣደን የብሉን!!!!!
- (ኣብ ከተማ ርሑቕ ምስራቕ ኣብ ዚርከብ ቤትመግቢ፡ ኣቶ ገሪማ ኪበልዕ ይኣቱ)
ገሪማ፥ — እንታይ ኣሎኩም ዚብላዕ
ኣሰላፊ፥ — ናይ ሎሚ እታ ዝበለጸት ኣላትና፡ መረቕ ስፐሻል ትብሃል
ገሪማ፥ — ሓንቲ መረቕ ስፐሻል እምበኣር ኣምጽኣለይ
ኣሰላፊ፥ — (ይቕርበሉ)
ገሪማ፥ — (ባኒ ፈትፊቱ ቅሩብ ድሕሪ ምብላዕ ነቲ ኣሰላፊ ይጽውዖ) ኣሰላፊ!!!! ኣብቲ መረቐይ ድዱዕ ኣላ!!
ኣሰላፊ ፥ — ኣታ ቀስ በል፡ እዞም ዝበልዑ ዘለዉ ከይሰምዑኻሞ፡ ንዓና ድማ ድዱዕ ግበሩልና ከይብሉና። …
ድዱዕ ከኣ ወዲእና ኢና ኔርና፡ ከመይ ኢላ ኣብዛ ናትካ ከም እተረኽበት ገሪሙኒ ኣሎ፡ ዕድለኛ ኢኻ?
- ህጻን ሳሚ፥ — (ነታ ሻሹ እተባህለት ድሙ ኣብ ሸሓኒ ኣእቲዩ ይሓጽባ ) ኣደ፥ — ኣታ ቖልዓ፡ እንታይ ኢዩ እቲ ገጽካ ተሓንፊጡ፡ እዛ ድሙ ዲያ ሓንፊጣትካ፡ ክትሓጽባ ከሎኻ ዲያ ሓንፊጣትካ? ህጻን ሳሚ፥ — ኖ ኖ፡ ማማ፡ መጀመርያ ስቕ ኢላ ኢያ ተሓጺባ፡ ደሓር ግን ክጸምቋ ከሎኹ ኢያ ሓንፊጣትኒ።