ብብሕታ ኣብ ጋዜጠኝነት እትነጥፍ ሉሲ ካሳ ኣብታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪኣ እናሰርሐት ሰኑይ መዓልቲ ቤታ ከም እተዃሕኲሐ ትገልጽ።
“ማዕጾ ምስ ከፈትኩዎ ሰለስተ ሰብኡት ብሓይሊ ደፊኦምኒ ንቤተይ ኣትዮም” ክትብል ሉሲ ን ቪኦኤ ገሊጻ። “መን ምዃኖም ወይ ካበይ ከም እተላእኩ ኣይገለጹን፥ ዝኾነ መለለዪ ወረቐት ወይ ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ መፈተሺ እውን ኣየርኣዩንን..ብቕጽበት ቤተይ ምፍታሽ ጀሚሮም” ድማ ትብል።
እዞም ሲቪላዊ ክዳን ዝወደዩ ሰባት ድሕሪዚ ንሉሲ ምስ ህወሓት ዘሎኪ ርክብ እንታይ እዩ እናበሉ ሓቲቶሟ።
“ኣብ ቤተይ እንታይ ይደልዩ ምንባሮም ዝፈልጦ ኣይነበረንን፥ ንብረተይ ዛሕ ዛሕ እዮም ምባል ግና ኣይሓደጉን፥ ድሕሪኡ ግና ምስቲ ጁንታ ዘሎኪ ርክብ ተላይ ተዛረቢ እናበሉ ብዙሕ ከፈራርሁኒ ጀሚሮም”።
እቶም ሰባት ስለምንታይ ንሉሲ እዚ ሕቶታት ከም ዘቕረቡላ እትፈልጦ የብላን፥ ምናልባት ግና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣህጒራዊ ሚድያ ዘቕረበቶ ጽሑፋት ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ኣለዋ።
ኣብ ትግራይ ብወተሃደራት ኤርትራ ዝተፈጸመ ብጒጅለ ደቀንስትዮ ናይ ምዕማጽ ተግባር ናብ ጋዜጣ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ምስ ጸብጸበት ኣብ ውሽጢ መዓልታት እዩ እዚ ተፍቲሽን ሕቶን ዝተኸስተ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትይ ይዋጋእ ምህላዉ እዂል ሓበሬታ ትእክብ ብምንባራ እዚ ኣብ ልዕሌኣ ዝወረደ ተግባር በዚ ዝተመኽነየ እዩ ዝኸውን ዝብል ግምት ከም ዘዋ እውን ገሊጻ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ኣትይዶ ኣይኣተወን ዝብል ጠርጠራ ኔሩ እዩ፥ በዚ ድማ ነቲ ዝኣከበቶ ጭብጢታት ብምውዳንን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ እናወረረ ዘርኢ ስእልታትን ኣኪባን ሓደ ጽሑፍ ኣዳልያ ብሰንበት ናብቲ ጋዜጣ ምልኣኻ ድማ ትገልጽ። እቲ ዝረኸበቶ ስእሊ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ወሰናስን ዓዲግራትን ገጠራትን ዝተላዕለ ኾይኑ ንሳ ብኣካል ናብቲ ቦታ ብምኻድ ኣብኡ ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክትጽብጽብ ድሌት ከም ዝነበራ ገሊጻ።