ኣብ ከባቢ ድልድል ኦሪሰንድ፡ ብሸነኽ ማያት ደኒማርክ፡ ሓንቲ ሩስያዊት ናይ ውግእ መርከብ ምስ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ከም ተጋጨወት ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።
እቲ ፍጻሜ ኣብ ማያት ደኒማርክ ብምግጣሙ፡ እታ ሃገር፡ ንመስርሕ ሂወት ምድሓን መሪሓ ትሰርሕ ምህላዋ ተፈሊጡ። ሽወደናዊ መደበር መድሕን ብባሕርን ብኣየርን፡ ሓገዝ ንምሃብ፡ ሰለስተ ኣሃዱታት ምክትታል ገማግም ባሕርን ሓንቲ ሄሊኮፕተርን ልኢኹ ኣሎ።
ኣብቲ ቦታ፡ ሓገዝ ንምሃብ ኢና ተረኺብና ዘለና። ብዛዕባ ጠንቂ ፍጻሜ ይኹን፡ ዝወረደ ክሳራታትን ኣብ ማይ ዝፈሰሰ ነዳድን ዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ የብልናን ክብል ሓላፊ ሽወደናዊ መደበር መድሕን፡ ዮርጋን ኣንሶን፡ ገሊጹ።