ሓላፊ ፖሊስ፡ ኣንደሽ ቶርንበርይ፡ ነቲ ናይ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ ከለዉ ዚጓነፎም ስግኣት ንምቕናስ ጻዕሪ ይካየድ ከም ዘሎን፡ ሞያ ፖሊስነት ብዙሕ ሓደጋታት ዘጋጥሞ ከም ዝኾነን ሓቢሩ። እዚ ድሕር እዚ ኣብ ኣልቫልዲን ኣፓርትማ ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ ኣብቲ ናይ ፖሊስ መርበብ ሓበሬታ ዝወጸ። ኣብቲ ፍጻመ፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ከድሕን ብማለት ኣብቲ ኣፓርትማ ምስ ኣተወ በቲ ኣጥቃዒ ብኻራ ተወጊኡ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣጥቃዒ ኣብ እግሩ ኪትኵሰሉ ተገዲዱ።
ኣነ ብዛዕባቶም ዚጕድኡ ኣባላትና እየ ዝሓስብ ይብል ቶርንበርይ፡ኣነ ነቲ ኩነታት ንምግምጋምን ነቲ እተጎድአ ሰብ ንምጻሕን ምስቲ ናይ ወረዳ ፖሊስ ሓላፊ ተራኺበ ይብል። ፖሊስ ምዃን ካብ ሓደጋ ናጻ ኣይገብረካን… ንሕና ነቲ ሓደጋ ክንቅንሶ ኢና እንደሊ፡ ካብ መጥቃዕቲ ንምድሓን ድማ ኣባላት ፖሊስ ዘድሊ ዕጥቂ ከም ኪሕዙ ንገብር ይብል ንሱ።ናይ ኣባላት ፖሊስ ጉድኣት ሓደገኛ ኣይኮነን ብዚብል ርእይቶ መጽናዕቲ ተኻዪዱ ነይሩ። ሰንበት ምሸት ሓደ ሰብኣይ ንኣባላት ስድራቤቱ ብኻራ ኪቐትሎም ምስ ኣፈራርሀ ፖሊስ ኣብ ኣልቫዳሊን፡ ዳላርና ዚርከብ ኣፓርትማ ሰቢሮም ኣትዮም።