ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ስካተርቨርት ( Skatteverket ) ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ልዕሊ 34 ሽሕ ውልቀሰባትን ትካላትን ዛጊት ዝግብኦም ቀረጽ ናይ ምሕዋይ ግደ ከም ዘይፈጸሙ ኣቃሊዑ። በዚ ድማ እቲ ብኣኣቶም ዝኽፈል ዕዳ ናብ 23 ሚልዮን ክሮነር ክዓቢ ጌርዎ ኣሎ ተባሂሉ። እዚ ኣብ ምግባር እንድሕር ምትሕብባር ዘይኣርእዮም ንብረቶም ናብ ህዝባዊ ማል ክሰጋገር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።
እዚ ገንዘብ ብፍላይ ነቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሑ ወይ ዝሞቱን ኣዝማዶም ዝጠፈሻ ኲባንያታት ከም ዘለዋኦም ንዘይፈልጡ ሰባት ዝምልከት እዩ። ኣብ ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ሓላፊት ልምዓት ቢዝነስ አቫ ቦደን ንተሌቩዥን ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ካብ 350 ሽሕ ክሳብ 400 ሽሕ ተመላስጅ ቀረጽ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ ኢላ። ኤጀንሲ ቀረጽ ስም ሰባት ዘይምርቋሕ ዝብል መትከል ዝኽተል ብምዃኑ ዝምልከቶም ባዕላቶም ነቲ በዓልመዚ ክውከስዎ ከም ዘድልዮም ድማ ተገሊጹ።