ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዝግበር ዘሎ ዓፈና ወራስ ዓራት ዮርዳኖስ ነበር ልኡል ሓምዛ ቢንሑሴን ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ክኣቱ ከም እተገብረ ተገሊጹ። ጠበቓ ልኡል ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ንሓዉ ንጉስ ዓብደላ ብ ብልሽውና፥ ሕጽረት ዓቕሚን ምንግልታዕ ዜጋታትን ብምኽሳሱ እዩ ኣብ ዘቤታዊ ማሕዩር ክኣቱ ተጌሩ ዘሎ። ንጉስ ዓብደላ ኣብ ልዕለይ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ክገበሩ ውዲት ኣሊሞን ንዝበሎም ሰባት ብጅምላ ይኣስር ምህላዉን እዚ ድማ ኣካል ናይዚ ዓፈና ክኸውን ከም ዝኽእልን ተገሊጹ’ሎ። ልኡል ሓምዛ ኣቐድም ኣቢሉ ናብቶም ብዙሕ ከም ዝድግፍዎ ዝንገረሎም መራሕቲ ቀቢላ ምኻዱን በዚ ድማ እቲ ማሕዩር ከም እትነብረሉን እዩ ዝንገር ዘሎ። እንተኾነ ግና ንሱ ምንም ሕማቕ ከም ዘይሓሰበ ቃሉ ሂቡ’ሎ። እዚ እናኾነ ዞባዊ ሓይልታት ምዃነን ዝንገረለን ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ደገፈን ንንጉስ ዓብደላ ምዃኑ ገሊጸን ኣለዋ። እታ ኣንጻር ዳዕሽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምስ ንጉስ ዓብደላ ኪዳን መስሪታ ዘላ ኣመሪካ እውን ዓባይ መሻርኽቲ እቲ ንግስነት ከም ዝኾነት ይንገረላ። ዮርዳኖስ ሒደት ባህርያዊ ሃብቲ እትውንን ምስ ምዃና በዚ ለበዳ ኣመና ከም እተሃስየት ጸብጻባት የመልክቱ።