ላሜራ ናይ ቅድሚት ኣካል መርከብ ኤም ኤስ ኢስቶንያ ብትእዛዝ ሰብመዚ ሽወደን ካብ ባሕሪ ከም ዝወጽእ ከም እተገብረ
ተገሊጹ። ኣብ 1994 ኣብ ማያት ባሕሪ ባልቲክ ዝጠሓለት እዛ መርከብ ምኽንያት ቅዝፈት 852 ሰባት ምዃና ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ በዓል መዚ መርመራ ሓደጋታት ሽወደን ዮናስ ባክስትራንድ፡ ኣብዚ ላሜራ ዝግበር መርመራ እታ መርከብ ስለምንታይ ከም
ዝጠሓለት ዝያዳ ርግጸኛ መልሲ ንምሃብ ክሕግዝ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ንሱ ንኣገግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡
መርመርቲ በቲ ዝረኸብዎ መርትዖ ኣቢሎም "ርግጸኛ" መደምደምታ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ እምንቶ ከም ዘለዎ ሃቢሩ’ሎ።