ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን: ኣን ሊንደ፡ ድሕሪ እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሩስያን ብዛዕባ ዝርዝር ጠለባት ሩስያ-ኔቶ ብዝምልከት ዝገበሩዎ ናይ መጀመርታ ክልተኣዊ ርክባት ምስ ዝተወሰነ ስክፍታ ዋላ እንተኾነ ‘ተስፋ ዝህብ’ ኩነታት ከምዘሎ ገሊጻ።
“ካልእ ይትረፍ፡ እቲ ዝነበረ ዝርርብ ዘይምቁራጹ ባዕሉ ኣወንታዊ ስጉምቲ እዩ። ዝርርብ ንምቁራጽ: ከም ምኽንያት ምጥቃም ከም ኣማራጺ ኣይተወስደን” ክትብል ሊንደ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ናይ ህዝቢን ምክልኻልን ገሊጻ።
እቲ ዝርርብ ን8 ሰዓታት እዩ ቀጺሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሊንደ ነዞም ዝርዝር ጠለባት ብዝምልከት ንሃገራ ወኪላ ነቲ ምይይጥ ምስ ትመርሖ ምኽትል ሴክሬታሪ ናይ ስተይት (Deputy Secretary of State) ዌንዲ ሸርማን: ክትዘራረብ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከምዝኸደት ዝፍለጥ’ዩ።
ሊንደ ከም ዝሓበረቶ፡ እቲ ቅዋም ናይ ኤውሮጳ ጸጥታ ንሕቶ ዝቐርብ ከምዘይኮነን ኮምኡ ድማ ናይ መንግስቲ ሽወደን ክጠሓሱ ዘይብሎም ቀያሕቲ መስመራትን ብንጹር ክቕመጡ ተገይሮም እዮም ክትብል ኣረዲኣ። ምስ ኔቶ ተጸንቢራ ናይ ሓባር ወታሃደራዊ ስልጠናታት ንኽትገብር ትውስን ሃገር ‘ሽወደን እምበር ሩስያ ከም ዘይኮነት’ እያ ኣተሓሳሲባ።
“ኣብ ኩሎም ኩነታት፣ እቶም ወሰንቲ ንሕና ባዕልና እምበር ካሊእ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ – ንኣብነት ሩስያ ኣይኮነትን ኣብ ከምዚ ዓይነታት ወታሃደራዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ምትሕብባር ወሳኒ ብጽሒት ዘለዋ ሃገር። ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ኣበይ፣ ከመይን ምስ መንን ብዛዕባ ንገብሮም ንጥፈታት ዝኾነ ይኹን ሓሳባት ካብ ሩስያ ኣይንቕበልን ኢና” ክትብል’ውን ኣታሓሳሲባ።
ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ነዞም ሓሳባት ናብቲ ምይይጥ ከተቕርቦም ድያ ዋላ ክትገድፎም ርግጸኛ ምዃን ከም ዘይከኣለት እያ ገሊጻ።
እቶም ውጽኢታት ኩላቶም ከምቲ ንሕና ንደልዮም ምዃኖም ከየነጸርና ብዛዕባ ክውንነቶም ርግጸኛታት ክንክወን ስለዘይንኽእል፡ ክሳብ መወዳእታ ብዕቱብ ክንከታተሎ ይግብኣና። ስለዚ’የ ድማ ኣነ ናብ ዋሺንግተን ዘምራሕኩ። እንተዘይኮነ፡ ብዘይ ሓደ ስራሕ ኮፍ ኢልና ‘ተስፋ ንገብር ሃገራት ሽወደንን ፊንላንድን ጉድኣት ከይበጽሐን’ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና”
ካብቶም ሩስያ ኣቕሪባቶም ዘላ ረቛሒታት: ኦሞ ኸኣ ብምዕራባውያንን ዩክሬይንን ‘ፈጺሙ ዘይምኽንያታዊ’ ክብሉ ዘይተቐበሉዎ ጉዳይ: ኑኔቶ ንምሕያልን ንምስፍሑን ዝግበር ውጥናት ደው ክብል ዝጠልብ እዩ።
ኣብ ሞንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሩስያን ተወሰኽቲ ዝርርባት ኣብ ቀረባ ግዜ ንኽግበሩ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።