ሃገረ ሊትዌንያ፡ ካብ ቤላሩስ ዝመጹ ሓተትቲ ዕቚባ ንምዕጋት ብዝብል ምኽንያት፡ ቊጽጽር ዶብ ተትርር ምህላዋ ተገሊጹ። ከም ኣካል ናይ’ዚ መስርሕ ድማ፡ ዩክሬን፡ ካብ ሓሙስ ኣትሒዛ 38 ቶን ሽቦታት ሓጹር ብመልክዕ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ንሉቲዌንያ ክትልእከላ ምዃና ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ካብ ቤላሩስ እናተበገሱ ናብ ሊትዌንያን ዩክሬንን ዝሓልፉ ሓትተቲ ዕቚባ ንምዕጋት፡ መንግስቲ ሊትዌንያ፡ ሓለዋ ዶባት ከጽንዕ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ብፍላይ ካብ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ብቤላሩስ ዝግበሩ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሕነ ምፍዳይ ንቚጽሪ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቚባን ክዛይድ ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ ይግለጽ።
ሊቱዌንያ፡ ነቲ ፕረዚደንት ቤላሩስ፡ ሉካሼንኮ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ እታ ሃገር ዝገብሮ ዓፈናን ካልእን ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሉካሼንኮ፡ እገዳታት ጽዒና ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ።