ኣብ ሊብያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሕድሕድ፡ ሓደ ዛጊት ብዙሕ ዘይተፈልጠ ዕሱብ ጒጅለ ሩስያ፡ ዝነበሮ መጠን ምትእትታው ከም እተፈልጠ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ መርመራ ኣቃሊዑ።
ካብ ሓደ ኣባል ጒጅለ ቫግነር፡ ዝተረኽበት ሓንቲ ታብሌት ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ጒጅለ ኣብ ኲናት ሊብያ ወሳኒ ተራ ምጽዋቱን ኣባላቱ ዝጥቀሙሉ ኮድ ኣስማትን ከይተረፈ ከም እተቓልዐ ቢቢሲ ኣፍሊጡ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብቲ ታብሌት ዝርዝር ሸመታ ኣዝዮም ዘመናውያን ኣጽዋራት ከም እተረኽበን እዞም ኣጽዋር ናይ ሩስያ ምዃኖም ብክኢላታት ከም እተረጋገጹን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ። ይኹን እምበር፡ ሩስያ፡ ምስ ጒጅለ ቫግነር፡ ዝኾነ ርክብ ኣይነበረንን ክትብል ገሊጻ’ላ።
እዚ ጒጅለ፡ ኣብ 2014 እዩ ንፈለማ እዋን ተለልዩ። ኣብታ ዓመት፡ እቲ ጒጅለ፡ ምስ ሩስያ መሻርኽቲ ንዝኾነ ኣብ ዩክሬን ዝርከብ ተገንጻሊ ጒጅለ ይተሓጋገዝ ምንባሩ ናይ ሽዑ ጸብጻባት የመልክቱ። ካብ ሽዑ ንደሓር እዚ ጒጅለ ንማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሱዳንን ሞዛምቢክን ሓዊስካ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ምትእትታው ክገብር ምጽንሑ ይግለጽ።