ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ብሰልፊታት የማን ዝቐርበሉ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሓሳብት ብምልዓል ሽወደን ስቲፈን ሉቨን ቊጽሪ ናይ ዕቚባ ሕቶ ዘለዎም ስደተኛታት ንምጒዳል ክትሰርሕ ኣለዋ ክብል እማመ ኣቕሪቡ’ሎ። ንሱ ምስ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ሕቶ ስደት ዝዓበየ ሕቶ ፖለቲካ ክኸውን እዩ ክብል ሓሳቡ ኣስፊሩ’ሎ። “ቊጽሪ ስደተኛታት ዝወሓደ እንተዀይኑ ጥራይ ኢና ኣብ ምውህሃድ ዕዉት ስራሕ ክንዓምም እንኽእል” ክብል ድማ ብዝሒ ስደተኛታት ነዚ ዝምችእ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
እዞ መግለጺ ሉፈን ካብ ሰልፊ ኣከባቢ ” ዘሕዝን መግለጺ” ዝብል ግበረ መልሲ ምርካቡ ድማ ተፈሊጡ። “ቀዳማይ ሚኒስተር ነዊሕ ቃለመጠይቕ ጌሩ ክንሱ ብድሆ ኣከባብያዊ ለውጢ ሓንሳብ እውን ዘይምጥቃሱ ዘሕዝን እዩ” ክብል ክንፊ መንእሰያት እቲ ሰልፊ ዳቪድ ሊንግ ገሊጹ’ሎ። ቀዳማይ ሚንስተር ሽወደን ሉፈን ጒዳይ ሓተትቲ ዕቚባ ዘልዕል ዘሎ ካብ ፖፑሊስት ዴሞክራትስ ሽወደን ናይ ድጋፍ ድምጺ ንምርካብ ኢሉ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ። ዓቃባዊ ሰልፊ ብወገኑ ንእማመ ሉፈን ” ተራ ዘረባ” ክብል ኣናሽዩዎ’ሎ።