ን ሞባይል ሓዊሱ፥ ካልኦት ኣብ ክፍሊ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መስርሕ ዝዕንቅፉ ንብረታት ክእገዱ ምዃኖም መንግስቲ
ሆላንድ ኣፍሊጡ። እዚ ተበግሶ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ብምትሕብባር ዝተኣታተወ ኮይኑ፡ ኣብ ምጅማር ዝመጽእ ዓመት ተግባራዊ
ክኸውን እዩ። እዚ ክልከላታት ብሕክምናዊ ጠለብ ወይ ብምኽንያት ስንክልና ግድን ክሕዝዎ ንዘለዎም ተማሃሮ፡ ከምኡ’ውን
ኣብ ዲጂታላዊ ክእለት ንዘተኮረ ትምህርቲታት ኣይምልከትን እዩ። እቲ እገዳ ክሳብ ሕጂ ሕጋውንት ኣይለበሰን ኣሎ፥ ካብ ብምጅማር
2024 ኣትሒዙ ግና ሕጋዊ ክኸውን እዩ። "ሞባይል ዋላኳ ምስ መዓልታዊ ህይወትና ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ እንተኾነ፡ ኣብ ክፍሊ
ግን ክንጥቀመሉ ኣይግባእን። ተማሃሮ ኣብ ኣካዳምያዊ ጒዳዮም ከተኩሩን ኲሉ ዝከኣል ክግበር ኣለዎ። ሞባይል ነዚ ከም ዝዘርግ
ካብ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ኣረጋጊጽና ኢና" ክብል ሚኒስተር ትምህርቲ ሮበርት ዳይክግራፍ ሓቢሩ።
ህጻናት ኣብ ስክሪን ኤለትሮኒካዊ መሳርሒ ዝጸንሕሉ ግዜ ምድራት ኣብ ኣእምሮኣዊ ምዕባለኤም እወታዊ ተራ ከም ዝጻወት
ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት የመልክቱ። ኣብዚ እገዳ ታብሌታትን ስማርት ሰዓታትን ሓዊስካ ካልኦት ቴክኖሎጂታት እውን እቱዋት
እዮም። ኣብ ኣውሮጳ ን እንግሊዝን ፈረንሳን ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት እውን ንምምሕያሽ ኣገባብ ትምህርቲ ብዝብል ሞባይል ክእገድ
ዝብል ሓሳብ ኣቕሪበን ኣለዋ።