ሓደ ሰብ፡ ጾታዊ መንነቱ ዝቕይረሉ ግዜ፡ ዕድሚኡ 18 ዓመት ምስ ኣኸለን፡ ናይ ሕክምና መረጋገጺ ምስ ዝህልዎን ምዃኑ ሕጊ ሽወደን ይሕብር።
ሓደ ሰብ፡ ጾታዊ ዝምባለኡ ብዝመርሖ ስምዒት መሰረት፡ ዕድሚኡ 12 ዓመት ምስ ኣኸለ፡ ብናይ ተሓታቲኡ ፍቓድ፡ ብዘይዝኾነ ናይ ሕክምና መረጋገጺ፡ ኣብቲ ናይ ነባርነት ወረቐቱ ዝርከብ ጾታዊ መንነቱ፡ ክቕይርን ኣብ ጾታዊ ኣካላቱ/ታ መጥባሕቲ ክገብርን/ ክትገብርን ዘኽእሎ መሰል ንኽረክብ፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ብሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሓድሽ እማመ፡ ናብ መንግስቲ ቐሪቡ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ናይ ጾታዊ ኣካላት ዝካየድ መጥባሕቲ፡ ኣብ ዕድመ 18 ዓመት ክኸውን ምዃኑ፡ ሕጊ ሽወደን ይገልጽ።