ህዝቢ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን እተኸስተ ኣዕናዊ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ እተሃስዩ ሰባት ኣመልኪቱ፡ ዓብዪ ናይ ምሕጋዝ
ግብረመልሲ የርኢ ምህላዉ ውድባት ረድኤት ገሊጸን። እቲ ሓደጋ ብ 6 ለካቲት ካብ ዘጋጥም ንደሓር፡ ዛጊት ካብ ህዝቢ ኣስታት 20
ሚልዮን ክሮና ወፈያ ከም ዝኣከቡ “ዩኒሴፍ”፡ “ህጻናት ኣድሕን” ከምኡ’ውን “ፈነወ ማሕበር ረድኤት ህዝባዊ ኣገልግሎታት”
(ራድዮህያልፐን) ገሊጸን።
እዚ ይዂንምበር ግዳያት እቲ ሓደጋ ሕጂ’ውን ብፍላይ ኣብ እዋን ምሸት ብ ቊሪ ይሳቐዩ ምህላዎም፡ እተን ትካላት ረድኤት ገሊጸን
ኣለዋ።