ሃገረ ዴኒማርክ፡ ሰለስተ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ንዘይ ማዕበላ ሃገራት ዝኸውን ሓገዝ ክትህብ ምኻና ብመንገዲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ መተ ፍረድሪክሰን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እቲ ሓገዝ፡ ብመንገዲ ዓለምለኻዊ ማዕከን ኮቫክስ ኣቢሉ፡ ናብተን ድኻታት ሃገራት ንኽበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
ኣቐድም ኣቢላ፡ ሃገረ ዴኒማርክ፡ ምስ ኩባንያታት ኣስትራ ዘነካን ጆንሶንን ውዕል ክታበት ኮቪድ ኣትያ ከምዝነበረት ይዝከር። ድሒሩ ግን፡ እታ ሃገር፡ ንፍርያት ናይዘን ክልተ ኩባንያታት ዝኾነ ክታበት፡ ካብ ሃገራዊ መደብ ክታበት ከምዝኣለየቶም ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ካብዘን ኩባንያታት፡ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ብልቃጥ ክታበት ከምዝተረከበት ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።
ሃገረ ዴኒማርክ፡ ነዚ ሓገዝ ክትህብ ዝመደበት፡ ድሕሪ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየድ ኣኼባ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ምኻኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኩለን ሃገራት ብሓባር፡ ክሳብ 1 ሚእቲ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ከም ሓገዝ ከወፍያ፡ ፍረድሪክሰን፡ ምንዮታ ገሊጻ።