ኤውሮፓዊ ሕብረት ከምኡ ውን ሃገረ ሽወደን፡ ምስተን ንክታበት ኮቪድ-19 ዘፍርያ ኩባንያታት ፋይዘርን ሞደርናን ብዝኣተወኦ ውዕል መሰረት ተወሳኺ ገንዘብ ክኸፍላ ምዃነን ፋይናንሽያል ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣ ምሕባሩ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
ዋጋ ናይ ሓንቲ ብኩባንያ ፋይዘር እትፈሪ ብልቃጥ ክታበት፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ፡ 160 ክሮነር፡ ናብ 200 ክሮነር ክብ ከምዝበለን ዋጋ ናይ ሓንቲ ብኩባንያ ሞደርና እትፈሪ ብልቃጥ ክታበት ድማ ካብ 190 ናብ 260 ክሮነር ክብ ከምዝበለ እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሓድሽ ውዕል፡ ዋጋ ናይ ሓንቲ ብልቃጥ ክታበት፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዋጋ፡ ብ20 ክሳብ 25 ዩሮ ምውሳኹ ዝገለጸ፡ ኣወሃሃዲ ክታበት ሽወደን፡ ሪቻርድ በርግስትሮም፡እዚ ክበሃል ከሎ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ክታበት ዝተገብሩ ምምሕያሻትን ምትዕርራያትን ክንዝንገዖም የብልናን ክብል ንጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
ዋጋታት ክታበት ክውስኽ ካብ ዝገበሩ ረቛሒታት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክታበት ዝተኻየዱ ምምሕያሻት ኮይኖም፡ እቶም ክታበታት፡ ንሓደስቲ ጅር ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዝህልዎም ስለዝተገብሩ እዩ።
ኣቐድም ኣቢለን፡ ኩባንያታት ኣስትራ ዘነካን ጆንሰንን፡ ዘፍርየኦ ዘለዋ ክታበት፡ ንመኽሰብ ኢለን ከምዘየፍርየኦ ምግላጸን ይዝከር።