ናብ ሕክምና ዝበጽሑ ቁጽሪ ናይ ኮቪድ-19 ሕሙማት እንዳበዝሐ ይመጽእ ከምዘሎ ተገሊጹ። እዚ ናህሪ ቁጽሪ ሕሙማት ዝተረኣየሉ ድማ ኣብ ክልቲኡ ኣብ ናይ ዝተወጽዑ ተሓከምቲ (IVA) ከምኡ’ውን ሕክምና ንኽወስዱ ዓራት ኣብ ዝሕዙ ሕሙማትን (inpatient) ምዃኑ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ዕለት 1 ወርሒ ጥሪ ጥራይ፡ ልዕሊ 610 ዝኾኑ ሕሙማት ኮቪድ-19 ኣብ ሆስፒታላት ክሕከሙ ኣትዮም ከምዝደቀሱ፡ SVT ጸብጺቡ። እዚ ቑጽሪ’ዚ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን 485 በጺሑ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።
ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት፡ ብኮቪድ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ሕክምና ዝከታተሉ ናይ ዘለው ሰባት ቁጽሪ፡ ካብተን ኣብ ሽወደን ካብ ዘለዋ ሆስፒታላት ኣብተን 13 እንዳወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን፡ ኣብተን 8 ድማ እንዳነከየ ከምዝመጸ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ብተወሳኺ’ውን ብሰኑይ መዓልቲ፡ ኣስታት 120 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ክፍሊ ዝተወጽዑ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ክንድዚ ብዝሒ ዘለዎም ህጹጽ ሓለዋ ሕክምና ዝግበረሎም ቁጽሪ ሕሙማት ከምዘይተራእየ ካብ መዝገብ ናይ ሽወደን ዝተወጽዑ ሕሙማት (Swedish Intensive Care Register) ተወኪሱ SVT ጸብጺቡ’ሎ።
ከም ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን እንተኾይኑ፡ ካብ ታሕሳስ 30 ጀሚሩ፡ ኣብ IVA ዝርከቡ ነጻ ቦታታት፡ 16% ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሸውዓተ ዞባታት ድማ እዚ ዓቕሚ፡ ትሕቲ 10% ጥራይ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ 13 ዞባታት፡ ኣብ ናይ ውጹዓት ክፍሊ ሕክምና ዝሕከሙ ተሓከምቲ እንዳወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዝተገልጸ ኾይኑ፡ እዚ ቑጽሪ ኣብ 3 ዞባታት ለውጢ ከየርኣ፥ ኣብ ካልኦት 5 ድማ ይንክይ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።